ክታበት ኮቪድ

ኣብ ካሊፎርኒያ ክታበት ካብ ዝጅመር፡ ልዕሊ 58.8% ተቐማጦ ምሉእ፡ ማለት ቀዳማይን ካልኣይን ክታበት ወሲዶምኣልዉ። ክሳዕ ሕጂ ተዘርጊሑ ዘሎ ዓይነታት ክታበት ኮቪድ በዚ ዝስዕብ ኣስማት ይጽዋዕ፦

ፋይዘር> Pfizer-BioNTech

ሞደርና> Moderna

ጆንሰን አንድ ጆንሰን> Johnson and Johnson / Janssen

ናይ ሕክምና ተመራመርትን ሰብ መዚ ጥዕናን እዚ ዝተጠቕሰ ዓይነታት ክታበት ንጥቕሚ ብቑዕን ውሑስን ምዃኑይሕብሩ።

  1. ፋይዘር> Pfizer-BioNTech ንደቂ 12 ዓመትን ልዕሊኡን ክወሃብ ይኽእል። ኣብ ክልተ ክፋል ብመርፍእ ይወሃብ።ካብቲ ቀዳማይ ክፋል ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን (21 መዓልታት) እቲ ካልኣይ ክፋል ይወሃብ። ካብቲ ካልኣይ መርፍእዝተዋህበሉ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምሉእ ብምሉእ ከምዝተኸተብና ይቝጸር።

  1. ሞደርና> Moderna ንደቂ 18 ዓመትን ልዕሊኡን ክወሃብ ይኽእል። ኣብ ክልተ ክፋል ብመርፍእ ይወሃብ። ካብቲቐዳማይ ክፋል ድሕሪ ኣርባዕተ ሰሙን (28 መዓልታት) እቲ ካልኣይ ክፋል ይወሃብ። ካብቲ ካልኣይ መርፍእ ዝተዋህበሉድሕሪ ክልተ ሰሙን ምሉእ ብምሉእ ከምዝተኸተብና ይቝጸር።

  1. ጆንሰን አንድ ጆንሰን> Johnson and Johnson / Janssen ንደቂ 18 ዓመትን ልዕሊኡን ክወሃብ ይኽእል።ሓንሳብ ጥራይ ይወሃብ። ካብቲ ዝተዋህበሉ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምሉእ ብምሉእ ከምዝተኸተብና ይቝጸር።

እዞም ዓይነታት ክታበት ብበዓል መዚ መግብን መድሃኒትን ኣመሪካ (FDA) ኣፍልጦን ተቐባልነትን ዝረኸቡ እዮም።ቅድሚ ምዝርግሑ ብዝግባእ ጽዑቕ ፈተነታት ዝተኻየደሉን ገና ውን ዝበለጸ ንምግባሩ ቀጻሊ ምርምርን ፈተነታትንዝካየደሉ ዘሎ እዩ። FDA ንኣመዓባብላ እቲ ክታበትን ከስዕቦ ዝኽእል ጽልዋታትን ብደቂቕ ይካታተሎ።

ዝዀነ ይኹን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበር ሰብ ሓደ ካብዞም ሰለስተ ዓይነታት ክታበት ዓይነት መሪጹክኽተብ ይኽእል። ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብቲ ዝቐረበሉ ወይ ዝሰልጦ ወይ ዝመረጾ ቦታ ብምኻድ ክኽተብ ይኽእል።ክታበት ኮቪድ ንዝተፈልየ ወገን ሕብረተሰብ ዝምልከት ዘይኰነ፡ ንኹሎም ካብ 12 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦምኣመሪካውያንን ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጡ ሰባትን ብነጻን ብዘይኣፈላላይን    ዝወሃብ እዩ። 

ማእከል ምቍጽጻር ሕማማት (CDC) ዘይተኸትቡ ሰባት ክኽተቡ፡ ክሳዕ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ካብ መወዳእታ ክታበትድማ መሸፈኒ ትንፋስ ክጥቀሙ ይምሕጸን። ኣብ ልዕሊ እቲ ዝጸንሐ ክልተ ዓይነታት ናይ መልከፍቲ ኮቪድ ሳልሳይንዝኸፍአን ዓይነት ማዕቢሉ ስለዘሎ ክታበት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ክታበት ኮቪድ ብኸመይ ይሰርሕ፧

ዝዀነ ዓይነት ክታበት ንኣካላትና ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ክብ ከብል ይስራሕ። ሓደ ኽታበት ኣንጻር ሓደ ወይብዙሓት ሕማማት ዝካላኸል ኰይኑ ኽስራሕ ይኽእል። ኩሉ ዓይነታት ክታበት ንኽሰርሕ፡ ፈለማ ዝተመስርሐ ተምሳልናይቲ ክንካላኸሎ እንደሊ ሕማም ናብ ኣካላትና የእቱ። እቲ ሓቀኛ ዘይኰነ ዝተመስርሐ ተምሳል፡ ነቲ ዘሰክፈና ቫይረስወይ ባክተርያ ዝመስል’ኳ እንተዀነ፡ ከሕምም ዘይክእል ቅዳሕ እዩ። ዋህዮታት ኣካላትና ግና ቅዳሕ ምዃኑስለዘይፈልጡ ነቲ ሕማም ዝመሰሎም ኣካል ንምጥቃዕ ብቕልጡፍ ነቲ ቫይረስ ወይ ባክተርያ ናይ ምክልኻል ዓቕሚየማዕብሉ። በዚ ኣገባብ፡ ኣካላትና እቶም ቀንዲ ቫይረስ ወይ ባክተርያ ክለኽፉዎ ኸለዉ ካብ ፈለማ ንኽካላኸሎምተዳልዩ ስለዝጸንሕ ኣካላት ሰብ ካብ ሕማም ይድሕን።

ክታበት ኮቪድ-19 ንምስራሕ ፈለማ ምስሩሕ ተምሳል ናይቶም ቫይረስ ይፈሪ። እቲ ንጥረ ነገር ኣብ ኣካላትና ምስኣተወዋህዮታትና ካብቲ ቐንዲ ቫይረስ ኮሮና ዘይፍለ ኰይኑ ይርኣዮም። ንኣካላት ካብቲ ሓደጋ ንምድሓን ዘኽእልዎ ጸዓዱዋህዮታት ደም ይፈርዩ። በዚ መስርሕ እዚ ኣካላትና ነቲ ሕማም ተማሂሩዎን ተዳልዩሉን ስለዝጸንሕ፡ ኣብ መጻኢ እቲሕማም ክለኽፈና ኸሎ ዋህዮታትና ብቐሊሉ ይካላኸልዎ።

ንኽታበት ዝምልከት ገለ ልሙድ ሕቶታት

  • ዝተኸትቡ ሰባት ኮቪድ ክለግቦም ይኽእል 

ዝኾነ ሰብ ካብታ ናይ መወዳእታ ዝተኸትበላ መዓልቲ ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ምሉእ ብምሉእ ከምእተኸትበ ይቚጸር።ዝተኸትበ ሰብ ምናልባት በቲ ቫይረስ እንተተለኽፈ’ውን ኪሓምም ወይ ኪመውት ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።

  • ቆልዑ ምልክታት ናይቲ ሕማም ብብዝሒ ዘየርእዩ ኽነሶም ንምንታይ ክኽተቡ የድልዮም

ኮቪድ ንቘልዑ’ውን ይለግቦምን የሕምሞምን እዩ። እቲ ፍልልይ፡ በቲ ሕማም ዝልከፉ ቘልዑ ካብ ዓበይቲ ኣዝዮምስለዝውሕዱ እዩ። ነቲ ኸጋጥም ዝኽእል ትሑት ምልክታት፡ እቲ ኽታበት ከጥፍኦ ይኽእል። ነቶም ውሑዳት በቲሕማም ብብርቱዕ ዝህሰዩን ክሞቱ ዝኽእሉን ድማ የድሕኖም። ቈልዑ እቲ መልከፍቲ ዋላኳ እንተዘየሕሚሙዎምከተሓላልፉ ግን ይኽእሉ እዮም። ክታበት ከኣ ነቲ ምስ ተለኽፉ ከመሕላልፍዎ ዘለዎም ተኽእሎ ክቕንሶ ይኽእል። መላእስድራቤት ካብቲ ሕማም ክድሕኑን ንተኽእሎ ምትሕልላፍ እቲ ሕማም ንምትሓትን  ኩሎም እቶም ዝምልከቶምኣባላት እታ ስድራ ክኽተቡ ይግባእ።

  • ጥዕናን ድልዳለን ኣለኒ፡ ክታበት ኣየድልየንን እዩ

ብኮረና ቫይረስ ዝተለኽፉ ግን ዘይሓመሙ ሰባት ነቲ ቫይረስ ናብ ካልኦት ከላግቡ ይኽእሉ ኢዮም። ዘይምኽታብንኻልኦት ኣብ ሓደጋ ኸእቱ ይኽእል ኢዩ።

  • ክታበት ኮረና ብኸመይ ኢዩ ክሳዕ ክንድዚ ቀልጢፉ ኽስራሕ ተኻኢሉ

ኣቐዲሞም ክርኣዩ ዝጸንሑ ብኮረና ዝዓይነቶም ቫይረስ ዝስዕቡ ከም SARS-CoV ‘ሳርስ’ ን MERS-CoV ‘መርስ’ ንዝኣመሰሉ ለበዳታት መድሓኒትን ክታበትን ክርከበሎም ክጽንዑ ስለዝጸንሑ፡ ነዚ ኣብዚ እዋን ዝተቐልቀለ ኮሮና ቫይረስምርዳእን ምፍላጥን ቀሊል ኮይኑ። ዝበዝሐ ባህርያት ናይቶም ቫይረሳት ኣዝዩ ተመሳሳሊ ስለዝኾነ፡ ክታበት ምስራሕንብሓፈሻ ባህርያቱ ተረዲእካ ዘድሊ ምድላዋት ምግባርን ከኣ ዝቐለለ ኮይኑ።

  • ኮቪድ ሒዙኒ ኔሩ ስለዝሓወኹ ሕጂ ክታበት ንምንታይ የድልየኒ

ብርግጽ ብመልከፍቲ ካብ ዝስዕብ ሕማም ምስ ሓወና ናይ ኣካላትና ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ይሕይል እኳ እንተኾነ፡ሓካይም ግን ዝሓየለ ምክልኻልን ተጻዋርነትን ንኽህልወና ክታበት ከም ዘድሊ ኢዮም ዝመኽሩ።

  • ባህላዊ መድሓኒታትን መግብን ካብ ኮቪድ ክከላኸለልና ይኽእል’ዶ፧

ክሳብ ሎሚ ተመራመርቲ ኣብ ባህላዊ መድሓኒታትን መግብን መሰረት ዝገበረ መድሓኒት ኮረና ቫይረስ ኣይረኸቡን።ውልቃዊ ስምዒታትን ሓፈሻዊ ግምትን ንስነፍልጠታዊ ሓበሬታ ኽትክኦ ኣይክእልን ኢዩ። ብፍላይ ድማ ከም ኮቪድ-19 ዝኣመሰለ ሓደገኛ ሕማም ኣብ ዝመጸሉ፡ ድሕነትና ኣብ ኢድ ክኢላታት ኪኽውን ኢዩ ዘዋጽኣና።

ኩሉ ንኮቪድ-19 ዝምልከት ሓበሬታ በቲ ብሕክምና ቅቡል ዝዀነ ኣገባብ እናተጠቐምና፡ ጥዕና ዝህብ ኣመጋግባከነዘውትር ከኣ ተውሳኺ መኽሰብ እዩ።

ሽጉርቲ፡ ሽጉርቲ ጻዕዳ፡ በርበረ፡ በርበረ ጸሊም፡ ለሚን፡ ኣልኮል፡ ሪሓን፡ ጨና ኣዳም፡ ልሕቲት፡ ሽንፋእ፡ መድሓኒት ወይክታበት ኮቪድ  ኣይከውንን እዩ። ብዘይካ ክታበትን መከላኸሊ ኣገባብ ምኽታልን ካብ መልከፍቲ ኮቪድ ዘድሕን ካልእኣገባብ የለን።

  • ክሳብ ኮቪድ ጠፊኡ ዝብሃል ተጸብየ ብዘይክታበት ክነብር እኽእል

ተመራመርቲ ኮቪድ ኪጠፍእ ከምዘይኮነን ንኣዝዩ ነዊሕ እዋን ኪጸንሕ ምዃኑን እዮም ዝገልጹ። ስለዚ ካብ መለከፍቲኮቪድ ከድሕነና ዝኽእል እንኮ ኣማራጺ ክታበት ጥራይ እዩ።

  • ኣምላኽ ካብ ሕማም ይከላኸለለይ

ኣምላኽ ብፍቓድና ንነብስና ንሓደጋ እንተኣቃሊዕናያ ኣብ ውሳኔና ኣይኣቱን ኢዩ። ሰባት ዘኽስቦም ወይ ዘኽስሮም ነገርክገብሩ ምሉእ ነጻነት ኣለዎም። ተሓተትቲ ናይ’ቲ ውጽኢት ድማ ባዕላቶም ይኾኑ።

ሰባት ካብ ቍርን ጸሓይን ማይን ዝከላኸል መንደቕ ዘለዎ ቤት ስለዘለዎም ንፈጣሪኦም የመስግንዎ። ኣካላቶም ሓይሊንኽረክብን ንኽጥዕን፡ ምእንቲ ኽነብሩ፡ ክበልዑን ክሰትዩን ስለዘለዎም ስለ’ቲ ዝተዋህቦም ዝብላዕን ዝስተንንኣምላኾም የመስግኑ። ብተመሳሳሊ፡ ካብ ሓደጋ ተኻላኺሉ ንኣካላትና ሓያልን ጥዑይን ኰይኑ ኽነብር ዘኽእሎክታበትን ካልእ መድሓኒታትን ውን በቶም ንድሕነትና ኽሰርሑ ኣምላኽ ጥበቡ ዝዓደሎም ተመራመርቲ ዝተረኽበምዃኑ ተረዲእና ንፈጣሪ እናኣመስገንና ክንወስዶ ይግባእ።

  • በቲ ክታበት ዝዝርጋሕ ማይክሮቺፕ ኣሎ ድዩ

ክታበት ኮቪድ-19 ቴክኖሎጂያዊ ማሺናት ክሕዝ ዝኽእል ኣይኮነን። ዝዀነ ይኹን ክታበት ኮቪድ ብዘይካ እቲ ፈሳሲመድሓኒት ዝዀነ ይኹን ካልእ ትሕዝቶ የብሉን። እቲ ክታበት ዝሓዘ ብልቃጥን ስሪንጋን ትሕዝቶኡ ተኸተብቲብቐሊሉ ዝርእዩዎ ብሩህ ጥርሙዝን ፕላስቲክን እዩ።

  • ምስቲ ሰይጣናዊ ቚጽሪ ተባሂሉ ዝእመነሉ 666 ብምንታይ ይተሓሓዝ

ክታበትን ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስን ዘተኣሳስር የብሉን። ክታበት ማለት ልክዕ ከምቲ ሓሚሞም ዝሓወዩ ሰባት ዝሓሸነቲ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘለዎም፡ ዘይሓመሙ ሰባት ተመሳሳሊ ዓቕሚ ከምዘጥርዩ ዝገብር ቀሊልን ዕዉትንኣገባብ ሕክምና እዩ። ክታበት ካብ ዚፍለጥ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ዓመት ዝገበረ ኪኽውን ከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመትህይወት ቢልዮናት ሰባት ብኽታበት ካብ ቀታሊ ሕማማት ድሒኑ እዩ። ምስ ክታበት ዝተኣሳሰር ሕማቕ ነገር  ክኸውንዝኽእል፡ መከላኸሊ (ክታበት) ከሎ ንህይወትናን ህይወት ካልኦትን ኣብ ሓደጋ ኸነእቱ እንተወሲንና ጥራይ እዩ።

  • ክታበት ኮቪድ የምክን ድዩ

ክታበት ኮቪድ ንፍርያምነት ሰባት ከጥቅዓሉ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ስነፍልጠታዊ መገዲ የለን። ከም ኩሉ ኽታበት፡ ናይኮሮና ክታበት’ውን ኣካላትና ነቲ ቫይረስ ንኸለልዮን ክጻወሮን ዘኽእል ተመኵሮ ይህቦ። ክታበት ክስራሕ ከሎ ልክዕከምቲ ድሕሪ መልከፍቲ ሓሚሞም ዝሓወዩ ሰባት ዘርእዩዎ ተጻዋርነት ከነጥሪ ከኽእለና እዩ ዝዳሎ። ክታበትንኽሰርሕ ብዘይካ ልክዕ ከም ናይቶም ሓሚሞም ምስ ሓወዩ ተጻዋርነት ዘጥርዩ ሰባት ኣብ ተኸተብቲ ጻተዋርነትከምዝህሉ ኻብ ምግባር ሓሊፉ ካልእ ሳዕቤን የብሉን። ንኮረና ቫይረስ ዝህልወና ተጻዋርነት ምስ ስርዓተ መፍረ ሰባትዝዀነ ይኹን ምትእስሳር የብሉን። ክታበት ዝስከም ፈሳሲ ዝኾነ ይኹን ንኣካላትና ዝሃሲ ይኹን ፍርያምነት ዝትንክፍትሕዝቶ የብሉን።

ልክዕ ከም ኩሉ ሓደስቲ መድሓኒታት፡ ክታበት ኮቪድ’ውን ክሳዕ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝጽናዕ ንነፍሰጾራት ኣይወሃብንእዩ። እዚ፡ ግቡእ ስነፍልጠታዊ ኣሰራርሓ እቲ ሓደስቲ መድሓኒታት ንነፍሰጾራት ኣዴታት ከይወሃብ ስለዝኽልክል ደኣእምበር ክሳዕ እዚ እዋን’ዚ ንጥንስን እዚ ክታበትን ዘተኣሳስር ምልክታት ስለዝተራእየ ኣይኮነን።

ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ

ኮሮና ቫይረስ ናብ ኣካላትና ከይኣቱ ምክልኻልን ምምርማርን መሰረታዊ እዩ።

-ኢድ ምሕጻብ

ደጋጊምናን ብግቡእን ብሳምናን ማይን ኣእዳውና ክንሕጸብን ብግዝባእ ከነንቅጾን ኣለና።

ኣእዳውና ዝተንከዮ ብዙሕ ነገር እንተዘየሎ፡ እሞ ኣልኮል ዘለዎ መጽረዪ ዝክረብ እንተዀይኑ ኣብ ክንዲ ምሕጻብ ክንጥቀመሉ ንኽእል። ብተደጋጋሚ ኣእዳውካ ምጽራይ እቲ ቫይረስ ካብ ዝተንከፍካዮም ነገራት ናብ ውሽጢ ኣካላትካ ከይኣቱ ይካላኸል። ሳምናን ኣልኮልን ዘይርከብ እንተዀይኑ ክሎሪን ብዘለዎ (0.05%) ማይ ኣእዳውና ክንሕጸብ ንኽእል።

-መሸፈኒ ትንፋስ

ኩሉ ግዜ መሸፈኒ ትንፋስ ወይ ማስክ ከነዘውትር፡ ክንስዕል ወይ ክንህንጥስ ከለና ንኣፍናን ኣፍንጫናን ኢድና ብምዕጻፍ ወይ ድማ ብመንዲል ክንሽፍኖ ይግብኣና።

ናብ ካልኦት ሰባት ኣብ እንቐርበሉ ዝዀነ ይኹን ምንቅስቓስ መሸፈኒ ከነዘውትር ኣለና። ድሕሪ ምህንጣስን ወይ ምስዓል ነቲ ከም መንዲል ዝተጠቐምናሉ ልስሉስ ወረቐትብቐጥታ ናብ ዕጹው መአከቢ ጉሓፍ ክንድርብዮን ኣእዳውና ክንሕጸብ ይግባእ። ብኸምዚ ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት እቲ ለኺፉና ዘሎ ሕማም ከይለግቦም ንካላኸለሎም።

ኣዒንቲ፡ ኣፍንጫን ኣፍን ዘይምትንካፍ

ፈጺምካ ኣዒንቲ፡ ኣፍንጫን ኣፍንብ ዘይምትንካይ።

ኣእዳውና ኣዝዩ ብዙሕ ነገራት ስለዝትንክፍን ዝሕዝን ብቐሊሉ በቲ ቫይረስ ይብከል። ኣእዳውና ከይሓጸብና ኣፍንጫ፡ ኣፍ፡ ወይ ኣዒንቲ ክንትንክፍ ከለና እቲ ቫይረስ ብቐጥታ ናብ ውሽጢ ኣካላትና ይሓልፍ።

-ምርሕሓቕ

ካብ ካልኦት ሰባት ተፈንተት።

ናይ ምዕጻው ወይ ውሱን ምንቅስቓስ ኣዋጃትን ሓበሬታን ክህሉ ኸሎ ብግቡእ ክንከታተሎን ክንሕልዎን የድልየና። ደገ ወጺእካ ምንቅስቓስ ንጥዕና ኣካላትካን ኣእምሮኻን ኣዝዩ ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ከባቢና ዘሎ መምርሒታት ዘፍቅዶ ክኸውን ኣለዎ። ግድን እንተወጺእካ ካብ ካልኦት እንተወሓደ ብሓደ ሜትሮ (ሰለስተ ጫማ ወይ ሰለስተ እመት) ተፈንቲትካ ተንቃሳቐስ። ናብ መንበሪ ዝግበር ምብጽጻሕ ፈጺሙ ኽተርፍ ዘይክእል እንተዘይኰይኑ ጠቕሊልካ ኣወግዶ። ሰባት ይበጽሑኻ እንተዀይኖም ወይ ንስኻ ናብ ሰባት ትኸይድ እንተዄንካ እዞም ሓሙሽተ ኣገባባት ብጥብቂ ከምዝሕለዉ ግበር።

ወትሩ ዝትንከፍ ቦታታት ደጋጊምካ ምጽራይ

ኩሉ ብተደጋጋሚ ዝተንከፍን ዝተሓዝን ነገራት ብተደጋጋሚ ምጽራይ።

እዞም ብተደጋጋሚ ዝትንከፉን ዝተሓዙን ነገራት  ጣዋሉ፡ ሰደቓታትን ባንኮታትን፡ መትሓዚ ማዕጾ፡ መወልዒ ብርሃን፡ ተሌፎን፡ ሰሌዳ መፍትሕ (keyboard)፡ ቤት ንጽህና፡ ክሽነ፡ ቡምባታትን መተሓጻጸብን ይርከብዎም። ዝባን ናይቲ ከተጽርዮ እትደልዮ ነገራት ረሳሕ እንተዀይኑ፡ ቅድሚ ጸረ ብከላ ምንጻግን ምውልዋልን ብሳሙናን ማይን ብግቡእ ተሓጺቡ ኽጸሪ ኣለዎ።

እንነብረሉን እንሰርሓሉን ህንጻታት ብግቡእ ንፋስ ክረክብ ኣለዎ። እቲ ቫይረስ ኣብ ትንፋስ ኣብ ዝህልወሉ ግዜ፡ ኣብ ዕጹው ቦታታት ዘለዎ ጻዕቂ ካብቲ ኣብ ክፉት ቦታታት ዘለዎ ኣዝዩ ይዓቢ። ስለዚ፡ እቲ እነተንፍሶ ኣየር ውን ክጸሪ የድልየና።

መርመራ

መርመራ ሓደ ኻብቶም ቀንዲ ኣገባባት ምክልኻል ኮቪድ-19 እዩ። ሰባት እቲ ሕማም ከየጥቅዖም ከሎን ናብ ካልኦት ከየልገቡን ኩነታት ጥዕንኦም ይፈልጡ። መልከፍቲ ኮሮና ኣብ እዋኑ እንተተፈሊጡ እቶም ዝተለኽፉን ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባትን ካብ ሞት ይድሕኑ።

ክታበት ኮቪድ ኣበይን ብኸመይን– ኣብ ሳንታ ክላራ ካውንቲ

ክታበት ኮቪድ-19

  • ብዘይዝዀነ ይኹን ክፍሊት ብናጻ ይወሃብ
  • ዝዀነ ይኹን 12 ዓመት ዝመልአን ልዕሊኡን ዝዀነ ሰብ ይኽተብ።
  • ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣብዚ እዋን ብቐጥታ ኬድካ ክታበት ምርካብ ይከኣል፡ እንተዀነ ንምትእምማን ዝኣክል ኣቐዲምካ ቈጸራ ምሓዝ ዝሓሸ እዩ።
  • ቈጸራ ንምሓዝ ናብ ዝቐረበ ናይ ጥዕና ኣካል ምድዋል
  • ናብ myturn.ca.gov ብምኻድ ቈጸራ ምሓዝ፡
  • ኢንተርነት ዘይብሎም ናብ (833) 422-4255 ብምድዋል ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ቈጸራ ክሕዙ ይኽእሉ።
  • ዝተፈላለየ ፋርማሲታት ኣብቲ ቦታ ኣገልግሎት ንዝምልከቶም ሰባት ቈጸራ ብምሓዝ ክታበት የዳልዉ።

ኣብ እዋን ክታበት ዘገድስ ሓበሬታ፡

ናብ ክታበት ክኸይድ ከለኹ እንታይ ከማልእ ኣለኒ፧

ሓጺር እጅገኡ ወይ ዝዘልቕ ናይ ላዕሊ ምኽዳን፡

ድሕሪ ምኽታብ እንታይ ክገብር ግብኣኒ፧

ብብዝሒ ፈሳሲ ምስታይ፡ መግቢ ብግቡእ ምብላዕ፡ ግቡእ ዕረፍቲ

ምስተኸተብኩ እንታይ ዝመስል ጐድናዊ ሳዕቤን ከጋጥመኒ ይኽእል፧

ገብገብ፡ ረስኒ፡ ረሸሽታ፡ ቅርጥማት መላግቦን ጭዋዳን፡ ሕማም ርእሲ

ድሕሪ ኽታበት

  • ካብታ ናይ መወዳእታ ክታበት ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምሉእ ብምሉእ ከምዝተኸተብና ይቝጸር።
  • ካብቲ ግዜ’ቲ ንደሓር ናብቲ ብሰንኪ ኮቪድ ኣቋሪጽናዮ ዝነበርና ንጥፈታት ክንምለስ ንኽእል ኢና።
  • እንተዀነ፡ ካብቲ ‘ደልታ’ን ‘ኦሚክሮን’ንተባሂሉ ዝተጸውዐ ቅልጡፍ ናይ ምትሕልላፍ ፍጥነት ዘለዎ ዓይነታት ንምክልኻል ጻዕቂ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ዕጹው ቦታታት መሸፈኒ ምጥቃም

ንኽታበት ኮቪድ ዝምልከት ገለ ልሙድ ሕቶታት

ዝተኸትቡ ሰባት ኮቪድ ክለግቦም ይኽእል’ዶ?

ዝኾነ ሰብ ካብታ ናይ መወዳእታ ዝተኸትበላ መዓልቲ ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ምሉእ ብምሉእ ከምእተኸትበ ይቚጸር።ዝተኸትበ ሰብ ምናልባት በቲ ቫይረስ እንተተለኽፈ’ውን ኪሓምም ወይ ኪመውት ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።

  • ቆልዑ ምልክታት ናይቲ ሕማም ብብዝሒ ዘየርእዩ ኽነሶም ንምንታይ ክኽተቡ የድልዮም?

ኮቪድ ንቘልዑ’ውን ይለግቦምን የሕምሞምን እዩ። እቲ ፍልልይ፡ በቲ ሕማም ዝልከፉ ቘልዑ ካብ ዓበይቲ ኣዝዮምስለዝውሕዱ እዩ። ነቲ ኸጋጥም ዝኽእል ትሑት ምልክታት፡ እቲ ኽታበት ከጥፍኦ ይኽእል። ነቶም ውሑዳት በቲሕማም ብብርቱዕ ዝህሰዩን ክሞቱ ዝኽእሉን ድማ የድሕኖም። ቈልዑ እቲ መልከፍቲ ዋላኳ እንተዘየሕሚሙዎምከተሓላልፉ ግን ይኽእሉ እዮም። ክታበት ከኣ ነቲ ምስ ተለኽፉ ከመሕላልፍዎ ዘለዎም ተኽእሎ ክቕንሶ ይኽእል። መላእስድራቤት ካብቲ ሕማም ክድሕኑን ንተኽእሎ ምትሕልላፍ እቲ ሕማም ንምትሓትን  ኩሎም እቶም ዝምልከቶምኣባላት እታ ስድራ ክኽተቡ ይግባእ።

  • ጥዕናን ድልዳለን ኣለኒ፡ ክታበት ኣየድልየንን እዩ

ብኮረና ቫይረስ ዝተለኽፉ ግን ዘይሓመሙ ሰባት ነቲ ቫይረስ ናብ ካልኦት ከላግቡ ይኽእሉ ኢዮም። ዘይምኽታብንኻልኦት ኣብ ሓደጋ ኸእቱ ይኽእል ኢዩ።

  • ክታበት ኮረና ብኸመይ ኢዩ ክሳዕ ክንድዚ ቀልጢፉ ኽስራሕ ተኻኢሉ

ኣቐዲሞም ክርኣዩ ዝጸንሑ ብኮረና ዝዓይነቶም ቫይረስ ዝስዕቡ ከም SARS-CoV ‘ሳርስ’ ን MERS-CoV ‘መርስ’ ንዝኣመሰሉ ለበዳታት መድሓኒትን ክታበትን ክርከበሎም ክጽንዑ ስለዝጸንሑ፡ ነዚ ኣብዚ እዋን ዝተቐልቀለ ኮሮና ቫይረስምርዳእን ምፍላጥን ቀሊል ኮይኑ። ዝበዝሐ ባህርያት ናይቶም ቫይረሳት ኣዝዩ ተመሳሳሊ ስለዝኾነ፡ ክታበት ምስራሕንብሓፈሻ ባህርያቱ ተረዲእካ ዘድሊ ምድላዋት ምግባርን ከኣ ዝቐለለ ኮይኑ።

  • ኮቪድ ሒዙኒ ኔሩ ስለዝሓወኹ ሕጂ ክታበት ንምንታይ የድልየኒ

ብርግጽ ብመልከፍቲ ካብ ዝስዕብ ሕማም ምስ ሓወና ናይ ኣካላትና ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ይሕይል እኳ እንተኾነ፡ሓካይም ግን ዝሓየለ ምክልኻልን ተጻዋርነትን ንኽህልወና ክታበት ከም ዘድሊ ኢዮም ዝመኽሩ።

  • ባህላዊ መድሓኒታትን መግብን ካብ ኮቪድ ክከላኸለልና ይኽእል’ዶ፧

ክሳብ ሎሚ ተመራመርቲ ኣብ ባህላዊ መድሓኒታትን መግብን መሰረት ዝገበረ መድሓኒት ኮረና ቫይረስ ኣይረኸቡን።ውልቃዊ ስምዒታትን ሓፈሻዊ ግምትን ንስነፍልጠታዊ ሓበሬታ ኽትክኦ ኣይክእልን ኢዩ። ብፍላይ ድማ ከም ኮቪድ-19 ዝኣመሰለ ሓደገኛ ሕማም ኣብ ዝመጸሉ፡ ድሕነትና ኣብ ኢድ ክኢላታት ኪኽውን ኢዩ ዘዋጽኣና።

ኩሉ ንኮቪድ-19 ዝምልከት ሓበሬታ በቲ ብሕክምና ቅቡል ዝዀነ ኣገባብ እናተጠቐምና፡ ጥዕና ዝህብ ኣመጋግባከነዘውትር ከኣ ተውሳኺ መኽሰብ እዩ።

ሽጉርቲ፡ ሽጉርቲ ጻዕዳ፡ በርበረ፡ በርበረ ጸሊም፡ ለሚን፡ ኣልኮል፡ ሪሓን፡ ጨና ኣዳም፡ ልሕቲት፡ ሽንፋእ፡ መድሓኒት ወይክታበት ኮቪድ  ኣይከውንን እዩ። ብዘይካ ክታበትን መከላኸሊ ኣገባብ ምኽታልን ካብ መልከፍቲ ኮቪድ ዘድሕን ካልእኣገባብ የለን።

  • ክሳብ ኮቪድ ጠፊኡ ዝብሃል ተጸብየ ብዘይክታበት ክነብር እኽእል’ዶ?

ተመራመርቲ ኮቪድ ኪጠፍእ ከምዘይኮነን ንኣዝዩ ነዊሕ እዋን ኪጸንሕ ምዃኑን እዮም ዝገልጹ። ስለዚ ካብ መለከፍቲኮቪድ ከድሕነና ዝኽእል እንኮ ኣማራጺ ክታበት ጥራይ እዩ።

  • ኣምላኽ ካብ ሕማም ይከላኸለለይ’ዩ”